ሕብረ ብሔራዊ ሓድነት ዘፅንዑ ሃገራዊ ፀጋታት ናብ ወለዶ ምትሕልላፍ ይግባእ-ሚኒስትር መሐመድ እንድሪስ 

ባህር ዳር/ታሕሳስ 9/2018 (ኢዜኣ) ሕብረ ብሔራዊ ሓድነት ዘፅንዑ ሃገራዊ ፀጋታት ናብ ወለዶ ምትሕልላፍ ከምዝግባእ ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እንድሪስ ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ባህር ዳር”ማሕበራዊ ፀጋታትና ንዘላቒ ሰላምን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፍሉ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።




ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እንድሪስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ወናኒት ሓድነት ዘጠናኽሩን ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ ዘኽእሉን ፀጋታት እያ።
እዞም ሃገራዊ ፀጋታት ብምሕላውን ብምምዕባልን ናብ መፃኢ ወለዶ ንምትሕልላፍ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ዓበይቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን ዝለዓለ እጃም ኣለዎም ኢሎም።
"ሃገር ኣብ ጎደና ዕቤት ፀኒዓ እትዘልቕ ብቅብብል ወለዶ እዩ"ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ነዚ ድማ ባህላዊ ፀጋታት ብዝበለፀ ኣብ ምዕባይ ትኹረት ምሃብ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ሚኒስቴር ሰላም ነባር ባህላዊ ስልትታት መፍትሒ ጎንፂ ንምልማዕን ንምፍጣርን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ኣድላ ደገፍ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።



መንግሥቲ ጎንፅታት ብምኽክር ንክፍትሑ ሎሚ እውን እናሰርሐ ከምኡ እውን ንሰላም ኢዱ ዘርጊሑ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ንህንፀት ዘላቒ ሰላም እጃም ዓበይቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን ልዑል ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን ፀጋታት ዕርቂ እቲ ሕብረተሰብ ንህንፀት ሰላም ዘለዎም እጃም ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
"ህዝቢ እቲ ክልል ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ተሓባቢሩን ተኸባቢሩን ናይ ምንባር ፀጋ ዘለዎ ህዝቢ እዩ"ዝበላ ኣፈ ጉባኤ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ፋንቱ ተስፋዬ እየን።
መንግስቲ እቲ ክልል ስርዓት ዕርቂ ወይ ድማ ሽምግልና ንምጥንኻር ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ክልል ጎንፅታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍትሑ እጃም ዓበይቲ ዓዲ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪበን።



ህዝቢ እቲ ክልል ዋላ ኳ ሰላም ካብ ምድላይ ብተወሳኺ ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕ ፀጋ ዘለዎ እንተኾነ ብጥምረት ውሽጣዊ ባንዳታትን ግዳማዊ ፀላእትን ማእኸል ጎንፂ ንክኸውን ከምዝተገበረ ፀሪሐን።
መንግሥቲ እቲ ጎንፂ ብሰላም ንክዛዘም ሰላማዊ ኢዱ ከምዝዘርገሐ ብግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ፃዕሪ ዝተዓጠቑ ሓይልታት ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሎም ምምፅኦም ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም