ስትራቴጂክ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን ዘለወን ዓለም ለኸ ተሰማዕነት ብኣግባቡ ንክጥቀማ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 9/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ህንድን ዘለወን ምትእስሳር ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባየን ዘለወን ኣህጉራዊ እጃም ብምጥቃም ድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንምኽባር ዓብይ ዕድል ከምዝፈጥር ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ስዒቡ ኣብ መጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባዩ ተገሊፁ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ተረኺቦም መደረ ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ መደረኦም እውን ህንድን ኢትዮጵያን ብቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብምትሕብባር ከምዝሰርሓ ኣረጋጊፆም እዮም።
ኢዜኣ ዘዘራረቦም ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባዩ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ነጃት ግርማ (ዶ/ር)፤ ክልቲአን ሃገራት ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ዲፕሎማሲን ህዝቢ ንህዝብን ከምዘለወን ሓቢረን።
እዚ ርክብ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ንሓባራዊ ብልፅግና ህዝበን ንምስራሕ ዘለወን ቆራፅነት ምግላፀን እውን ተዛሪበን።



ካሊእ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ፈትሂ ማህዲ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኢትዮጵያን ህንድን ወነንቲ ጥንታዊ ስልጣነ ስለዝኾና ቀፃሊ ዕድለን ኣብ ኢደን እዩ ኢሎም።
ርክብ እተን ሃገራት ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባዩ ብዝኾነ ኩነታት ዘይናወፅ ምሕዝነት ንምምስራት ከምዘኽእለን ገሊፆም።
ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻሩ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።



እቲ ምሕዝነት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ነንሕድ ሕድ ንምድግጋፍ ዘለዎ ረብሓ ዝለዓለ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኣምባሳደር ቶፊቅ ኣብዱላሂ (ዶ/ር) እዮም።



ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፤ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ኣህጉራዊ ፅልዋ ብምጥቃም ድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንምኽባር ብቆራፅነት እናሰርሓ ከምዝኾና ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያን ህንድን ዕላዊ ርክብ ዲፕሎማሲአን ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1948 ዝጀመራ እንትኸውን፤ ሕዚ ዝበፅሓሉ ብርኪ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ንሓባራዊ ብልፅግና ክልቲኦም ህዝብታት ሓዱሽ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም