ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ህንፀት ሰላም ብምትሕብባር ክሰርሑ እዮም

አዲስ ኣበባ)/ታሕሳስ 9/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ህንፀት ሰላምን ጎንፂ ቀዲምካ ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ምስ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኤመስበርገር ኣብ ህንፀት ሰላምን ጎንፂ ቀዲምካ ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉን ዘትዮም።
እቶም ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ሚኒስቴር ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ርክብ ብዝዝበለፀ ንምጥንኻር ዝገብሮ ፃዕሪ ገለፃ ገይሮም።
ሕብረት ኣውሮፓ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎን ሃናፂ እጃምን ከምዝነኣዱ እውን እቲ ሚኒስቴር ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመልኽት።



ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኤመስበርገር ብግደአን፤ ዝተጀመሩ ሓባራዊ ሽቶታት ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ኣረጋጊፀን።
ብተወሳኺ እውን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ቀፃልነት ዘለዎ ከምኡ እውን ዝተጠናኸረ ምትሕብባር ንምግባር ድሌት ከምዘለወን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም