ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ጉጅለ ልኡኾምን ብዛዕባ ምድላዋት ኮፕ 32 ዘትየ ኢሎም።
ኣብቲ ዘተ፤ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንኣህጉር ክውክል ዝኽእል ኮፕ 32 ንምድላው ብኸመይ ተቐራሪቦም ክመኽሩ ከምዝኽእሉ ዘትዮም፡፡
ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንኮፕ 32 ዕዉት ንምግባር ቁልፊ መሓዛ ኢትዮጵያ ንምዃን ቆራፅ ከምዝኾኑ ተገንዚበ ኢሎም፡፡