ኢትዮጵያ ጥንታዊ ስልጣነን ዘበናዊ ሕልምታትን ኣዋሂዳ ምሓዛ ፀኒዓ ንክትቕፅል ገይርዋ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ 

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጥንታዊ ስልጣነን ዘበናዊ ሕልምታትን ኣዋሂዳ ምሓዛ ፀኒዓ ንክትቕፅል ገይርዋ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ መበል 5ይ ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ መደረ ገይሮም።
ኣብ መደረኦም እውን፤ ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ መውፅኢ ሕጊ ኢትዮጵያ መደረ ብምግባሮም ልዑል ክብሪ ከምዝስመዖም ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዘበርከትሎም ኒሻን ክብሪ ምስጋና ዘቕረቡ እንትኸውን ነቲ ኒሻን ክብሪ እውን ብሽም ህዝቢ ህንዲ ተቐቢለ ኢሎም።



ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ጥንታዊ ስልጣነታት ካብ ዘለወን ሃገራት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣበ ውሽጢ ታሪኽ ወዲ ሰብ ብግንባር ቀዳምነት ከምትግለፅ እውን ተዛሪቦም።
ቅሪተ ኣካል ሉሲ (ድንቅነሽ) ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ ምዃና ብግልፂ ከምዘርኢ ኣረዲኦም።
ታሪኽ ኢትዮጵያ ህያው ኮይኑ ሎሚ እውን ኣብ መልክኣ ምድራን ልቢ ህዝብታታን ከምዝረአ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ምልክት ጥንካረ፣ሰዓራይነት፣ኩርዓትን ለውጥን እያ ኢሎም።
ጥንታዊ ታሪኽን ዘበናዊ ሕልምታትን ኣዋሂዳ ምሓዛ ድማ ፍልፍል ጥንካረኣ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣተሓሳስባ መደመር ኣብ ሓባራዊ ምትሕብባር ጠመተ ዝገበረን ምስ ህንዲ እትጎዓዘሉ መንገዲ ተመሳሳሊ ከምዝኾነን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያን ህንድን ጥንታዊ ስልጣነ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ፤ ፅባሐን ዝሓሸ ንምግባር ብሓባር እናሰርሓ ከምዝርከባ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም