ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምስግጋሩ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ - ኢዜአ ትግርኛ
ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምስግጋሩ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምስግጋሩ ምትእስሳር እተን ሃገራት ምስፋሕን ምጥንኻርን ዘኽእል ስጉምቲ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ መበል 5ይ ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ መደረ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ህንድን ኢትዮጵያን ነዊሕ ዘበናት ዘቑፀረ ታሪኻዊ ምሕዝነትን ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝብን ከምዘለወን ሓቢሮም።
ክልቲኣዊ ርክብ ዲፕሎማሲ እተን ሃገራት ህንዲ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነፃ ኣብ ዝወፀትሉ እዋን ዝጀምረ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ባህልን ትምህርትን ዘለወን ምትሕብባር ኣብ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዘለወን ምትእስሳር ብዝለፀ ንክጠናኸር ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም።
ኩባንያታት ህንዲ ኣብ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኢትዮጵያ ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ብምግባር ኣብ ግብርና፣ጨርቃ ጨርቅን ማኑፋክቸሪንግን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምውፋሮም ኣረዲኦም።
እቶም ኩባንያታት ልዕሊ 75 ሽሕ ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ እውን ገሊፆም።
እተን ሃገራት ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ዝኽእላሉ ብርክት ዝበሉ ዕድላት ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምስግጋር ከምዝወሰነት ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ፣ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ቴክኖሎጂ፣መዓድን፣ሓምለዋይ ልምዓትን ኢኖቬሽንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለወን ምትሕብባር ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።
ንክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ውሕስና ምግቢ፣ ጥዕናን ህንፀት ዓቕምን ተረባሒ ከምዝገብር እውን ኣረዲኦም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግብርና፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሓዊሱ ኣብ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ነንሕድ ሕድ ብምምህሃር ሓባራዊ ተረባሕነት ምዕባይ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።
ህንዲ ንዕቤት ዓውዲ ዲጂታል ስትራቴጂን ኢኖቬሽንን ኢትዮጵያ ኣድላይ ደገፍ ከምትገብር እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንህንዲ ተኣማኒት መሓዛ ብምግባራ ብምምስጋን፤ ሃገሮም እቲ ክልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ብቆራፅነት ከምትሰርሕ ኣረጋጊፆም።