ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ንኢትዮጵያ ዳግማይ ከምዝጉብንዩ ተስፋ ኣለኒ ኢሎም።
ታሪኻዊ፣ባህላውን ዲፕማሲያውን ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ብዘላቕነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም።