ህንዲ ንጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣድላይ ደገፍ ክትገብር እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ህንዲ ንጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣድላይ ደገፍ ከምትገብር ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ መበል 5ይ ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ መደረ ገይሮም።
ኣብ መደረኦም እውን፤ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ብርክት ዝበሉ ዓመታት ከምዘቑፀረ ብምሕባር ታሪኽን ባህልን ዝካፈላ ሃገራት እየን ኢሎም።



ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቀፃሊ ህንዲ ንጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣድላይ ደገፍ ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውድታት ስግግር ቴክኖሎጂ፣ሴኩሪቲ ሳይበር፣ህንፀት ዓቕሚ፣ግብርና፣ትምህርትን ጥዕናን ብምትሕብባር ንምስራሕ ሃገሮም ድሌት ከምዘለዋ ኣረዲኦም።
ኣብ ዓውዲ ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን እውን ምትሕብባር ህንድን ኢትዮጵያን ኣድላይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ በዚ መሰረት ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ምስ ዓወት ዓድዋ ብዝተኣሳሰረ ኢትዮጵያውያን ብባዕዳዊ መግዛእቲ ንዘይምግዛእ ብልበ ሙሉእነትን ሓድነትን ንዝገበርዎ ተጋድሎን ዝረኸብዎ ዓወትን እውን ንኢዶም።



ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ እጃም ሰላምን ምርግጋዕን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኢዶም።
ኣብ መድረኻት ዓለም እውን ህንድን ኢትዮጵያን ዘለወን ድምፂ ብምትሕብባር መሰል ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ንምኽባር ብሓባር ክሰርሓ ከምዘለወን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም