ኣተሓሳስባ መደመር ንኢትዮጵያ ብምብልፃግ ንመላእ ዓለም መርኣያ ንክትኸውን ዘኽእል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ብኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ኣተሓሳስባ መደመር ንኢትዮጵያ ብምብልፃግ ንመላእ ዓለም መርኣያ ንክትኸውን ዘኽእል እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ዝተዳለወሎም እንግዶት ድራር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብምርካቦም ዕድለኛ ምዃኖምን ብዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ምሕጓሶምን ተዛሪቦም።



ኣብ ፃንሒቶም እውን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ብምሕባር፤ መሰረት ስልጣነ ዓለም ካብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኒሻን ክብሪ ብምርካበይ ኩርዓት ይስመዓኒ ክብሉ እውን ገሊፆም።
እቲ ኒሻን ክብሪ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንክጠናኸር ንዝገበሩ ህንዳውያንን ኢትዮጵያውያንን እውን እዩ ኢሎም።
ጎና ጎኒ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተኻየደ ጉባኤ ጉጅለ 20 ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝነበሮም ዘተ ንኢትዮጵያ ንክጉብንዩ ብዝቐረበሎም ዕድመ ከምዝተሓጎሱ ብምዝኽኻር፤ ንኢትዮጵያ ዘለኒ ፍቕሪ እቲ ዕድመ ብምቕባል ብቕልጡፍ ንክመፅእ ገይሩኒ እዩ ኢሎም።
ኣተሓሳስባ መደመር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኢትዮጵያ ብምብልፃግ ንመላእ ዓለም መርኣያ ንክትኸውን ዘኽእል እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓለዋ ከባቢ፣ሓቛፊ ልምዓት፣ኣብ ውሽጢ ኣፈላላይ ሓድነት ንምጥንኻር ንዘለዎ ቆራፅነት ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።
ትምህርቲ ኣብ ርክብ ህንድን ኢትዮጵያን ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተን ህንዲ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ራእን ምትእምማንን መሰረት ዝገበረ ርክብ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋን እውን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ዕድላት ዝፈጥሩ ርክባት ንምምስራት ከምትሰርሕ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም