ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ንዝመፀ ኩለ መዳያዊ ርክብ ዘርኢ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ንዝመፀ ኩለ መዳያዊ ርክብ ዘርኢ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018 (ኢዜኣ) ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ንዝመፀ ኩለ መዳያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘርኢ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዝተዳለወ እንግዶት ድራር መደረ ገይሮም።
ኣብ መደረኦም እውን፤ ታሪኻዊ ርክብ፣ዝካፈልኦም ፀጋታትን ዘለወን ምትእስሳርን ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ከምዝመፀ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ድማ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልና ዲፕሎማሲ ክልቲአን ሃገራት ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ህንዲ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ኢትዮጵያ ምዃና ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዉ ምሕዝነተታት ንምስፋሕ ቆራፅነትና ዘረጋገፀ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ ክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጉዳያት ዝግበር ምትሕብባር ከምዝጠናኸር እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ብትኽተሎ ፍልስፍና መደመር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝነኣድ ዕቤት እናመዝገበት ከምትርከብ ኣፍሊጦም።
ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ካብ ዲፕሎማሲ ብዝዘለለ ዓብይ ምትእስሳር ዘለዎ ከምዝኾነ ብምግላፅ ወነንቲ ጥንታዊ ስልጣነ ምዃነን ኣረዲኦም።
ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ናብ ስትራቴጂካዊ ርክብ ከምዝዓበየ እውን ተዛሪቦም።
ንዝሓሸ ሓባራዊ ፅባሕ እውን እተን ሃገራት ብዝበለፀ ብምትሕብባር ከምዝሰርሓ ብምሕባር፤ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ እውን እዚ ሓባራዊ ራኢ ምስላጥ ንክከኣል ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ እናዓበየን እናሰፍሐን ንዝመፀ ምሕዝነትን ርክብን ብሽም መንግሥቲ ኢትዮጵያ ምስግና ኣቕሪቦም።