ዘበን ተሳጋርን ዶብ ተሳጋርን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን - ኢዜአ ትግርኛ
ዘበን ተሳጋርን ዶብ ተሳጋርን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን
ኢትዮጵያን ህንድን ነዊሕ ክፍለ ዘበናት ዘቑፀረ ምሕዝነትን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ኣለወን። በዚ ድማ ፀጋታት ስልጣነ ይካፈላ።
ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ንግዲ ካብ ዝፈጠራሉ ልዕሊ 2 ሽሕ ዓመታት ከምዘቑፀረ ድርሳናት ታሪኽ የረድኡ።
መሰረት ዘበናዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ከምዝኾነ እውን ይግለፅ።
ኢትዮጵያን ህንድን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ዝጀመራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1948 እዩ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1950 ሳርዳት ሳንት ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣምባሳደር ህንዲ ብምዃን ተሸይሞም።
ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ህንድን ኤምባሲአን ብምኽፋት እቲ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ብተግባር ገሊፀን እየን።
ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ከም ኣቆፃፅራ ኣቅቶፓ ኣብ 1956ን 1958ን ኣብ ህንዲ ዝገበርዎም ዑደታት ብቀዳምነት ዝግለፁ እዮም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ መወዳእታ 1960ታትን መጀመርያ 1970ታትን ፕሬዚዳንትታት ህንዲ ዝነበሩ ሳርቬፓሊ ራድሃክሪሽናንን ዛኪር ሁሴንን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሮም እዮም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ቅድሚ ሓደ ዓመት ሂወቶም ዝሓለፈ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ማንሞሃን ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ እውን ዝፍልጥ እዩ።
ነበር ፕሬዚዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2017 ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ኣብ ዑደቶም ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽንን ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ዘኽእሉ ሓባራዊ ስምምዓት መረዳድኢ ተፈራሪሞም እዮም።
ደቡብ አፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ዘዳልውውቶ መበል 15 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም እዮም።
መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብቲ እዋን ኣብ ዙርያ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ምክልኻል፣ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ግብርና፣ምጥንኻር ክእለት መናእሰይን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዘትዮም እዮም።
ኣብቲ እቃን ህንዲ ኣብ ዘዳለወቶ መበል ካልኣይ “Voice of Global South Summit”ኣብ ዝተብሃለ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሳትፎ ገይሮም እዮም።
ኣብ 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ህንዲ ሓፈሻዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዜ ምዕዋቶም ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም ኔሮም።
ቀዳምይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ እውን ንመልእኽቲ ሓጎስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምቕባል ኣብ ሓዱሽሽ ዘበነ ስልጣኖም ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምዝዓቢ ምግላፆም እውን ዝዝከር እዩ።
ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪካን ምትሕብባርን ደቡብ ደቡብን ዘለወን ምሕዝነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልዒሎም እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ልዑል ትኹረት ከምትህብ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣፍሊጦም እዮም ኣብቲ እዋን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ጉባኤ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ትርጉም ዘለዎን ውፅኢታውን ዘተ ምግባሮም እውንገሊፆም።
ህንዲ ኣባል ጉጅለ 20 ምዃና በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2021 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ እተን ሃገራት ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ዘጠናኽሩ ተኸታተልቲ ዘተታት ገይረን እየን።
ኣብቲ እዋን ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ንግዲ፣ልምዓት፣ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎም ዑደታት ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘርእዩ እዮም።
ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ትራንስፖርት ኣየር፣ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት፣ ምክልኻል፣ ተደራራቢ ታክስ ምትራፍ፣ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽን ሳይንስ፣ባህሊ፣ትምህርትን ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ምጥያሽን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ ስምምዓት ተፈራሪመን እየን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ።
ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንትገብሩ ንፈለማ እዋን እዩ። ድሕሪ ማንሞሃን ሲንግ ንኢትዮጵያ ዝጎብነዩ ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም።
እቲ ዑደት ህንዲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ልምዓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝዘተዩ እንትኸውን ንኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽን ሎሚ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም መደረ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር።