ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ብቐረባ ንምስራሕ ዘለወን ሓባራዊ ቆራፅነት ዘርኣየ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ብምዕባይ ሓባራዊ ጠቐምቲ ኣብ ዝኾኑ ዓውድታት ብቐረባ ንምስራሕ ዘሎ ቆራፅነት ዘርኣየ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ህንዲ ፀሓፊ ርክብ ኢኮኖሚ ሱድሀካር ዳሌላ ንዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ብእንግዶት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እናገበሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም።



ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ናብ ኢትዮጵያ እንትኣትዉ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም እውን ተዛሪቦም።
ክልቲኦም መራሕቲ ክልቲኣዊ ምሕዝነት ዘጠናኽር ውፅኢታውን ሰፊሕን ዘተ ምግባሮም ኣፍሊጦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ግብርና፣ተሓዳሲ ሓይሊ፣ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ልምዓት ክእለት፣ ምክልኻል፣መዓድን፣ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ዘለወን ምትሕብባር ንምስፋሕ ምስምዕምዖም ኣበራህሪሆም።
ህንዲ ኣብ ዙርያ ውሕስና ምግብን ጥዕናን፣ቴክኖሎጂ ሕርሻ፣ኦርጋኒክ (ተፈጥሮኣዊ) ሕርሻ፣ዲጂታል ጥዕናን ቴክኖሎጂን ዘለዋ ተሞኩሮ ልምዓት ንምክፋል ቆራፅ ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምግላፆም እውን ኣረዲኦም።
ክልቲኦም መራሕቲ ብርክት ዝበሉ ስምምዓት መረዳድኢ ከምዝገበሩን ካብዚኣቶም ድማ ምትሕብባር ጉምሩኽ፣ ንልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዝወሃብ ስልጠና፣ኣብ ውሽጢ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ምጥያሽ ማእኸል ዳታ ከምዝርከብዎምን ተዛሪቦም።



ክልቲኦም መራሕቲ ክልቲኣዊ ምሕዝነቶም ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ምውሳኖም ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር እዩ ኢሎም።
እቲ ስምምዕ ምሕዝነት ኣብ ጠቐምቲ ዓውድታት ብቐረባ ንምስራሕ ዘሎ ሓባራዊ ቆራፅነት ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሮ ሓቢሮም።
ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ፣ምጥንኻር ክእለትን ህንፀት ዓቕምን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምስምዕምዖም እውን ፀሪሖም።
ህንዲ በቢ ዓመቱ ንተምሃሮ ኢትዮጵያ ትህቦ ዕድል ትምህርቲ ኣይሲሲኣር (ICCR) ብዕፅፊ ከምዝዓቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምግላፆም እውን ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ብፍላይ ድማ ኣብ ማኑፋክቹሪንግን ምፍራይ መድሓኒትን ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ብዝመፀ ተሳትፎ ኩባንያታት ህንዲ ምሕጎሳም ገሊፆም ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ህንድን ኢትዮጵያን ኩለ መዳያዊ፣ፍትሓውን ኣብ ሕጊ ዝተመስረተን ዓለም ለኻዊ ስርዓት ኣብ ምትግባር ሓደ ኮይነን ጠጠው ንክብላ ክልቲኦም መራሕቲ ምርግጋፆም እውን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኢትዮጵያ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ንምፅምባር ንዝጀመረቶ ከይዲ ህንዲ ዘለዋ ደገፍ ምግላፆም ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ንኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም መደረ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም