ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነተን ናብ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ንምስግጋር ምውሳነን ትኽክለኛ ስጉምቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነተን ናብ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ንምስግጋር ምውሳነን ትኽክለኛ ስጉምቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነተን ናብ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ንምስግጋር ምውሳነን ትኽክለኛ ስጉምቲ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያን ህንድን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ እናዓበየ ከምዝመፀ ሓቢሮም።
እተን ሃገራት ኣብ ዕሙቕ ምሕዝነት፣ምትሕብባርን ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን መሰረትት ዝገበረ ርክብ ከምዘለወን ኣመላኺቶም።
ቅዋም ህንዲ ምስ ጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ምሕዝነት ኣፍሪካን ህንድን ኣፍሪካ በዓልቲ ዋና ዝኾነትሉ፣ ኣፍሪካ መሪሕን ኣብ ድሌታት ኣፍሪካ መሰረት ዝገበረን ክኸውን ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
እቲ ዘተ ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ልኣላዊነት፣ ዓርስኻ ምኽኣልን ተግባራዊ ምትሕብባርን መሰረት ዝገበረ ዘበናዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
እቲ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኣብ ማዕርነትን ምሕዝነት ደቡብ ደቡብን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ማዕቐፍ ኢኮኖሚ ህንድን ብሄራዊ ዓቕሚ፣ ኩለ መድያዊ ልምዓትን ነፃነትን ኣብ ዘኽበረ ምሕዝነት መሰረት ዝገበሩ ከምዝኾኑ ዘለዎም ሓባራዊ ምጥዕዓም ከምዘርኢ ሓቢሮም።
ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብጠንካራ ኩነታት እናዓበየ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኣብ 2017 ዓ/ም 9 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ጥሙር ሃገራዊ ዕቤት(ጂዲፒ) ከምዘመዝገበ ኣፍሊጦም።
ኣብ 2018 ዓ/ም እውን 10 ነጥቢ 3 ጥሙር ሃገራዊ ዕቤት(ጂዲፒ) ከምዝምዝገብ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ካብቲ ዕቤት ኢኮኖሚ ብተወሳኺ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ኩነታት እናዓበየ ከምዝመፀ ብምግላፅ፤ ህንዲ ናይቲ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት መሪሕ ተዋሳኢት እያ ኢሎም።
ልዕሊ 615 ኩባንያታት ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋዕለ ንዋዮም ኢንቨስት እናገበሩ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈላለይይ ዓውድታት ዘሎ ርክብ እናዓበየ ከምዝመፀ ብምትእምማን ንዝተመስረተ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ መሰረት ከምዘንብር ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ርክበን ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ምውሳነን ትኽክለኛ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማይ ምኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፅኦም ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ፤ ውፅኢታዊ ፃንሒት ንክህልዎም እውን ተመንዮም።