ኢትዮጵያን ህንድን ዘለወን ምትሕብባር ንምስፋሕ ሓባራዊ ቅዋመን ኣርእየን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 7/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ህንድን ዘለወን ምትሕብባር ንምስፋሕ ሓባራዊ ቅዋመን ከምዘርኣያ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግሥቲ ዕላዊ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ገይርናሎም ኢሎም።



ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድሕሪ ምዝታይና ምስ ጉጅለ ልኡኻትና ክልቲኣዊ ዘተ ኣካይድና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ዘተና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህንድን እናዓበየ ዝመፀ ምትሕብባርን ሓባራዊ ቀዳምነት ዘንፀባርቑ ሓደሽቲ ዓውድታት ምትሕብባርን ዳህሲስና ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ድጋፍ ሓባራዊ ምምሕዳር ጉምሩኽ፣ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ መረዳድኢ ስምምዕ ምስረታ ማእኸል ዳታ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ለኸ ምኽባር ሰላም ዘለና ቆራፅነት ዘርእን ዘጠናኽርን ስነ ስነ ስርዓት ፊርማ ስምምዕ መረዳድኢ ስራሕ ምኽባር ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስትታት   
እውን ተረኺብና ክብሉ ኣፍሊጦም።



ህንዲ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ኢትዮጵያ እንትትኸውን እቶም ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተታትን ስምምዓትን እውን ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዉና ምትሕብባራት ንምስፋሕ ዘለና ቆራፅ ቅዋም ዘርእዩ እዮም ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም