ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ንርክብ ኣፍሪካን ህንድን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግር እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ንርክብ ኣፍሪካን ህንድን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግር እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 7/2018(ኢዜኣ) ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ንርክብ ኣፍሪካን ህንድን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግር እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ካብ 7 ክሳብ 8 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዑደት ከምዘካይዱ ገሊፁ።
እዚ ድማ ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ፖሊሲ ኣፍሪካ ህንዲ ዘለዋ እናወሰኸ ዝመፀ ምትእስሳር ኢኮኖሚ፣ ኩለ መዳያዊ ልምዓትን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባርን ከምኡ እውን ንርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዘጠናኽር እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ቀንዲ ዲፕሎማሲያዊ ማእኸል ምዃና ዘረጋግፅ እዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዑደት ካብቲ ዝተለመደ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ብተወሳኺ ህንዲ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻርን ዓለም ለኸ ድምፂ ደቡብ ንምጉላህን ዘለዋ ድሌት ከምዝወሰኸ ዘርኢ እዩ ክብል እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዘበናዊ ድፕሎማሲ ዋላ ኳ ካብ 1948 ዓ/ም ጀሚሩ ርክብ ዝጀመራ እንተኾነ፤ እተን ሃገራት ንልዕሊ 2 ሽሕ ዓመት ዝዘለቐ ዕሙቕ ታሪኻዊ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት ምዃነን ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከምዝሕብሩ ኣመላኺቱ።
ህንዲ ንኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣፍሪካን እቲ ሰፊሕ ዓለምን ከም ድልድል ብምቕማጥ ኣብ ምምሕዳር፣ ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ዓውዲ ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓትን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ዝተገበሩ መመሓየሺታት ብምድጋፍ ዘላቒ ምሕዝነት ኣዕብያ እያ ኢሉ።
ህንዲ ምስ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣብ ከም ኢንቨስትመንት፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ ምኽባር ሰላምን ዘላቒ ልምዓትን ዝበሉ ዓለም ለኸ ጉዳያት ብምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለዋ ድሌት ልዑል ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።
ምምፃእ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ናብ ኢትዮጵያ እውን ኣብዞም ጉዳያት ቆራፅነት ሃገሮም ልዑል ምዃን ዘመላኽት ከምዝኾነ ገሊፁ።
ህንዲ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያ ንክዓብን ሓባራዊ ተረባሕነታ ንክረጋገፅን ሓጋዚ ንዝኾነ ሕቶ ኣባልነት ብሪክስ ኢትዮጵያ ካብ ዝደገፋ ሃገራት እታ ሓንቲ እንትትኸውን ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ብሪክስ ምጣነ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ብምትሕብባር እናሰርሐት እያ ትርከብ ክብል እውን ኣብሪሁ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፌዴሪኢ ዝገብርዎ ዘተ እውን ኣብ ዋና ዋና ዓውድታት ብፍላይ ድማ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ምትሕብባር ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ኣቪዬሽንን ዲጂታል ስግግርን ውፅኢታዊ ምኽክር ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር ኢሉ።
እቲ ዑደት ካብ ክልቲኣዊ ርክብ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓለም ለኸ መድረኻት እናዓበየ ዝመፀ ተደማፅነታ ዘርእን ካብ ዓለም 10 ዓብይ ኢኮኖሚ ዝሃነፃ ሃገራት እታ ሓንቲ ዝኾነት ህንዲ ንኢትዮጵያ ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ገይራ ምቕባላ መርኣያን እዩ ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።