ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ንዝመፀ ምትእስሳር ዘመላኽት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 7/2018(ኢዜኣ) ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ንዝመፀ ምትእስሳር ዘመላኽት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ብምቕባለይ ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።



ዑደት እቶም ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ንዝመፀ ምትእስሳ ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ዘተታትና ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ቀዳምነት ዘለና ምትሕብባር ብዝበለፀ እነጠናኽረሉ ከምዝኸውን እምነተይ እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም