ህዝቢ ክልል ትግራይ ብዝተማልአ መንገዲ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፍ ኣለዎ-ነበርቲ ከተማ መቐለ

መቐለ/ታሕሳስ 7/2018 (ኢዜኣ) ህዝቢ ክልል ትግራይ ከም ካልኦት ህዝብታት ክልላት ብዝተማልአ መንገዲ ኣብ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ክሳተፍ ኣለዎ ክብሉ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበር ከተማ መቐለ ተዛሪቦም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ምኽክር ንክካየድን ባህሊ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ንክምዕብልን ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።
ኢዜኣ ኣብ ከተማ መቐለ ዘዘራረቦም ነበርቲ ክልል ትግራይ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ታሪኻዊ ሃገራዊ ምኽክር ህዝቢ ክልል ትግራይ ብዝተማልአ መልክዑ ብምስታፍ ኣጀንድኡ ንከቕርብን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንክዝትን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፃዕሪ እናገበረ እዩ ዝርከብ።
ካብቶም ወሃብቲ ርኢቶ ኣይተ ካሕሳይ ግደይ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ፀገማት ብዝማዕበለ መንገዲ ብዘተ ንምፍታሕን ዕንክሊል ጎንፅን ኵናትን ንምትራፍን ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ኣለኒ ዝብሎም ኣጀንዳታት ናብቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣቕሪቡ ንምዝታይ እቲ ታሪኻዊ ዕድል ክጥቀመሉ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝነበሩ ዕንክሊላት ጎንፅን ኵናትን በቢ ወለዶ ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፈሉ ብምዝኽኻር፤ ተመኻኺርና ፀገማት ንምፍታሕ እቲ ዝተጀመረ ፃዕሪ ዘላቒ መፍትሒ ዘምፅእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።



ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ክልል ትግራይ ተጠቃሚ እዚ ዕድል ንክኸውን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዙሕ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና ዝበሉ ኣይተ ካሕሳይ፤ እቲ ዕድል ዝኾነ ወገን ከተዓናቕፎ ኣይግባእን፣ብኣግባቡ ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም።
ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ መንእሰይ ብርሃነ ገብረስላሴ፤ መሰረታዊ ፀገማት ሃገር ብዘላቕነት ንምፍታሕ ካብ ምምኽኻር ዝበለፀ መፍትሒ ክህሉ ከምዘይኽእል ኣረዲኡ።
ስለዝኾነ እውን ምዕራፍ ጎንፅን ኵናትን ብምዕፃው ንቀፃሊ ወለዶ እትምችው ሃገር ንምህናፅ ሎሚ ምዝታይ ግድን እዩ ክብል ገሊፁ።
ኣብዚ ታሪኻዊ ዕድል ህዝቢ ክልል ትግራይ እውን ዝተማልአ ተሳትፎ ብምግባር ተጠቃሚ እቲ ዕድል ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ሰላምን ልምዓት እዩ ዝደሊ ዝበለ መንእሰይ ብርሃነ፤ ብዘተ ፀገማትና ንምፍታሕ ኩላትና ሓላፍነት ወሲድና ምድጋፍ፣ምትሕብባርን ምስራሕን ትፅቢት ይግበረልና ኢሉ።



ኣብ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ግርማ ሞገስ፤ ህዝቢ እቲ ክልል ንዘላቒ ሰላምን ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስትን ዝህልዎ እጃም ንምጥንኻር ተሳታፊ እቲ ምኽክር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ነዚ ድማ እቲ ኮሚሽን ዕድላት እናመቻቸወን እናሰርሐን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።



ዕላማ እቲ ኮሚሽን ምኽክር ኣብታ ሃገር ዝፀንሑ ስምብራታት ፖለቲካ፣ኢኮኖምን ማሕበራውን ብዘላቕነት ንክፍትሑ ብዘይሻራዊ ሓቛፍን ኣሳታፍን ብዝኾነ መልክዑ ዜጋታት ብሓባር ንክመኽሩ ምምችቻው ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም