ኢዜማ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መረፃ ኣብ ዘካይደሎም ኩሎም ቦታታት ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/7/ 2018 (ኢዜኣ) ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መረፃ ኣብ ዘካይደሎም ኩሎም ቦታታት ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ።
ኢዜማ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ መረፃ ጠሚቱ ሎሚ መግለፂ ሂቡ።
ኣባል ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ኢዮብ መሳፍንት፤ መረፃ መቕረቢ ኣማራፅታት ፖሊሲ፣መመስረቲ ዝተረጋገዐ መንግስቲ፣መሳርሒ ባህሊ ህንፀት ዴሞክራሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኢዜማ ነዚ ዕላማ ንምጥቃም ጥራሕ ኣብ’ቲ መረፃ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጦም።
እቲ ፓርቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ድምፂ ህዝቢ ንምርካብ ናይ ምድላው ስርሑ ከካየድ ከምዝፀንሐን ኣብ ዝቕፅሉ 7 ኣዋርሕ ድማ ውፅኢቱ ዝረኣየሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም። 
ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ሙሉዓለም ተገኘወርቅ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ፓርቲኦም ብሰለማዊ መገዲ ጥራሕ መንግስቲ ንምዃን ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።
እቲ ፓርቲ መንግስቲ ሓዊሱ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እቲ መረፃ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ተፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም