ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ መደረ ከስምዑ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ መደረ ከስምዑ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/7/ 2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ፌዴሬሽንን መደረ ከስምዑ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ፌዴሬሽንን ፅባሕ ሓበራዊ ኣኼባ ከካይዱ እዮም ።
ሓባራዊ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ መበል ሻድሻይ ክልትኦም ኣብያተ ምኽሪ ፅባሕ ከምዝካየድ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሓበራዊ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ መደረ ከስምዑ እዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ።