ብመንግሥቲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ህንፀት መውሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም-ነበርቲ ከተማ ሚዛን ኣማን


ሚዛን ኣማን/ታሕሳስ 5/2018 (ኢዜኣ) ብመንግሥቲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ህንፀት መውሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ነበርቲ ከተማ ሚዛን ኣማን ሓቲቶም።
"ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፤ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረኺቦም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፤ መንግሥቲ ከም ሃገር ኢሉ እውን ኣብ ከባቢኦም ውፅኢታት ልምዓት ብምምዝጋብ ተረባሕቲ ከምዝገበሮምን ተጠናኺሩ ንክቕፅል እጃሞም ከምዘበርክቱን ሓቢሮም።
ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ብመንግሥቲ ፌዴራል ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ኢኮ ቱሪዝም እቲ ከባቢ ዘዕብዩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ስራሕቲ ህንፀት መውሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቶም።

እቲ መድረኽ ዘተ ዝመርሑ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ እቲ ከባቢ ብፍርያት ግብርና ንካልኦት ከባብታት እውን ዝምግብ ዕቑር ሃፍቲ ኣለዎ።
መንግሥቲ ንህዝቢ ኣዳሚፁ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ተግባራዊ ምላሽ ንምሃብ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዘጠናኽር ብምሐባር፤ ምስቲ ሕብረተሰብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኢትዮጵያ ክነዕብያ ኢና ኢሎም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን፤ እቲ ህዝቢ ዘልዓሎም ሕቶታት በቢብርኩ ከምዝፍትሑ ኣረጋጊፀን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ሚዛን ኣማን ኢንጂነር ሰሎሞን ሌዊ፤ ተረባሕነት ህዝብታት ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ከምዝሳለጡ ሓቢሮም።
 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም