ንድሌታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ መንግሥቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝተባባዕ እዩ-ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን - ኢዜአ ትግርኛ
ንድሌታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ መንግሥቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝተባባዕ እዩ-ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን
ደብረብርሃን/ታሕሳስ 5/2018(ኢዜኣ) ንድሌታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ መንግሥቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን ገሊፆም።
"ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣማራፂ ሰላም ትኹረት ብምሃብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምፍጣርን ዝግበር ፃዕሪ ንኢዶም።
ካብቶም ተሳተፍቲ ኣይተ ሃይለ ስላሴ ጌታነህ፣ኣይተ ሸዋለዓለም ግዛቸው፣ኣይተ ሙሉጌታ መንገሻን ኣይተ ሙላት ሃይሉን፤ ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ዓውድታት ልምዓት ከተማታት፣ትሩፋት ሌማት፣ግብርናን ቱሪዝምን ዝተሳለጡ ስራሕቲ እመርታዊ ውፅኢት ዝተረኸበሎም እዮም ኢሎም።
ንድሌታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ መንግሥቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ገበን ቀዲምካ ብምክልኻል ሰላም ብዘላቕነት ንምፅናዕ ዝተወሰዱ ስጉምትታት እውን ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቶም ነበርቲ፤ ሓል ሓሊፉ ዝረአ ፀገም መብራህቲ፣ማይን መንገድን ንክፍትሑሎም ሓቲቶም።
ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣይተ በድሉ ውብሸት ከምዝበልዎ፤ ኣብታ ከተማ ሕቶታት ነበርቲ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ልምዓት ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም።
ካብቶም ነበርቲ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን በቢ ብርኮም ምላሽ ከምዝረኽቡ ኣረጋጊፆም።
ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ማስረሻ በላቸው፤ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን እቲ ህዝቢ ዘለዎ ምሕዝነትን ቆራፅነትን ብምንኣድ ኣብዚ ጉዳይ መንግሥቲ እውን ቀንዲ ትኹረቱ ገይሩ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ፃዕሪ መንግሥቲ ደገፍን ምትሕብባርን እቲ ህዝቢ ኣድላይ ስለዝኾነ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣረዲኦም።