ኣብቲ ክልል ዝተመዝገቡ ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ንክጠናኸሩ ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ኮይንና እጃምና ክንዋፃእ ኢና-ነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ


ጅግጅጋ/ታሕሳስ 5/2018(ኢዜኣ) ኣብቲ ክልል ዝተመዝገቡ ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ንክጠናኸሩ ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ኮይንና እጃምና ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ ተዛሪቦም።

"ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።
ካብ ከተማ ጅግጅጋን ከባቢኡን ዝመፁ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፤ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝተመዝገቡ ስራሕቲ ልምዓት ዝሓሸ ውፅኢት ዝተመዝገበሎም ከምዝኾኑን ብዝበለፀ ንክጠናኸሩ ድማ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኖም እጃሞም ከምዝዋፅኡን ገሊፆም።
ቅድሚ ሕዚ ተሓቲቶም ምላሽ ዘይረኸቡ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ሓዊሱ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ህንፀት ዝርከብ መንገዲ ብቕልጡፍ ክዛዘም ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ኣብታ ከተማ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘሎ ብምሕባር፤ መንግሥቲ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም።
እቲ መድረኽ ዝመርሑ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን ኣይተ ጥላሁን ከበደ ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ መደመር ኣብ ኩሎም ከባብታት ዘለዉ ዓቕምታት ፈልዩ ብምልማዕ ንተረባሕነት እቲ ህዝቢ እናሰሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተሰርሐ ስራሕ ስርናይ ካብ ወፃኢ ምእታው ከምዝተረፈ ከም ኣብነት ብምሕባር፤ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።

ክልል ሶማሌ ዕቑር ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዎ ስለዝኾነ መንግሥቲ ንኩለ መዳያዊ ልምዓት እቲ ክልል ፍሉይ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም።
ካብቲ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን ምላሽ ንክረኽቡ ከምዝግበር ሓቢሮም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ሶማሌ ኢንጂነር መሀመድ ሻሌ፤ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዝበለፀ ብምዕባይ እታ ከተማ ማእኸል ንግዲ ንምግባር መንግሥቲ እቲ ክልል ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም