መንግስቲ መደመር ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ -ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ መደመር ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ -ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/5/ 2018 /ኢዜኣ/መንግስቲ መደመር ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) አረዲኦም ።
መንግስቲ ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብተግባር ምላሽ ክህብ ኢዩ ኢሎም ።
ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከተማ ቦንጋ ‘ብስራት ጉባ፤ ትሩፋት መንግስቲ ምድማር ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ፥መንግስቲ ምድማር ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ የሳልጥ ከምዘሎ ኣመልኪቶም ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ኩለ መዳይ ዓወታት ካብ ዝጀመረቶ ናይ ምዕባለ ጉዕዞ ዘዐንቅፋ ሓይሊ ዘይምህላዉ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠምዎ ፈተናታት ብመፍታሕ ንዘበናት ተባዕነት ህዝቢ ምላሽ ምሃቡ ተዛሪቦም።
መንግስቲ ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብተግባር ምላሽ ክህብ ኢዩ እውን ኢሎም።