እቲ ረቂቕ ፖሊሲ ተወዳዳሪነት ዓውዲ ኪነ ጥበብ ዘዕቢ እዩ-ረዳት ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ


ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 5/2018 (ኢዜኣ) ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበብን ፈጠራን ንዓውዲ ኪነ ጥበብ ብውፅኢታውነት ብምምራሕ ተወዳዳሪነቱ ዘዕቢ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበብን ፈጠራን ካልኦት ማዕቐፋት ሕግን ከምኡ እውን ኣብ ዝፀደቑ መምርሕታት ኣሰራርሓ ምስ ዝምልከቶም ሰብ ሞያን መዳርግቲ ኣካላትን እቲ ዓውዲ ይዝቲ ኣሎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ኣብዚ እዋን፤ ጥበብ ባህላውን ዘበናውን መልክዕ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ከምኡ እውን ስነ ልቦናዊ፣ማሕበራውን ሃገራውን ረብሓታት ከምዘለውዎ ብምሕባር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ጥበብ እንተተሰርሑ እቲ ዓውዲ ዝምረሐሉ ፖሊሲ ከምዘይነበረ ኣፍሊጦም።

ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበብን ፈጠራን ንዓውዲ ኪነ ጥበብ ብውፅኢታውነት ብምምራሕ ተወዳዳሪነቱ ዘዕቢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዘተ፤ ዋና ዳይሬክተር ኣብያተ መዛግብትን መፅሓፍትን ኢትዮጵያ ሰርፀ ፍሬስብሀት፣ፍሉጣት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፣ሓለፍቲ ቢሮ ባህልን ስፖርትን ክልላት ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም