ኣብ ክልል ሃረሪ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንሕቶ እቲ ህዝቢ ምላሽ እናሃቡ እዮም-ነበረቲ ከተማ ሃረር - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ሃረሪ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንሕቶ እቲ ህዝቢ ምላሽ እናሃቡ እዮም-ነበረቲ ከተማ ሃረር
ሃረር/ታሕሳስ 5/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሃረሪ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንሕቶ እቲ ህዝቢ ምላሽ እናሃቡ ከምዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ሃረር ገሊፆም።
"ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ሃረሪ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ተሳተፍቲ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ንሕቶ እቲ ህዝቢ ዝመለሱ እዮም።
ድሕሪ እቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንሕቶ እቲ ህዝቢ ምላሽ እናሃቡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀጻሊ እውን ንዝለዓለ ውፅኢት ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።
ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ(ዶ/ር)፤ ኣብቲ ክልል እቲ ኣመራርሓን ህዝብን ተዋዲዶም ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዘሳለጡ ገሊፆም።
ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ብግደአን፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣብ ከተማ ሃረር ዝተሰርሑ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ መርኣያ መንግሥቲ መደመርን ብልፅግናን ዝገበሩ እዮም ኢለን።
ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ልዕልና ሃረር ዘረጋገፁ ስለዝኾኑ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ሓቢረን።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሱልጣን ኣብዱሰላም፣ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሮዛ ኡመርን ካልኦት ኣመራርሓን ተረኺቦም።