ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ልዑል ፈተና ኮይና ብዙሓት ዓወታት ተጎናፂፋ ኢያ






 

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/4/ 2018 /ኢዜኣ/ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ዓወታት ካብ ጉዕዞ ምዕባለኣ ዘትርፋ ሓይሊ ከምዘየለ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (/)፡፡

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌዲኦ ከተማ ዲላ "ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ዓወታት ካብ ጉዕዞ ምዕባለኣ ዘትርፋ ከምዘየለ ዘርኢ ስራሕ  ከምተሰርሐ  ኣለሙ ስሜ (/) ኣመልኪቶም እዮም

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዎ ፀገማት ብምፍታሕ ናይ ዘበናት ነስሓ ህዝቢ ናብ ሓጎስ ምቕያር ከምዝተኽኣለ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ፍርያት ስርናይ ብዝተሰርሐ ስራሕ ካብ ስራሕ ሓሊፉ ንወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ÷ ብፕሮጀክታት ገበታ ንሃገር ብዝተሰርሐ ስራሕ ዓሚቕ ሃፍቲ ሃገር ቱሪዝም ምንቕቓሕ ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም