ንዕዉትነት ዕቑር ሃፍቲ እቲ ከባቢ ለሚዖም ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እጃምና ክንዋፃእ ኢና-ነበርቲ ከተማ ኣርባ ምንጭ - ኢዜአ ትግርኛ
ንዕዉትነት ዕቑር ሃፍቲ እቲ ከባቢ ለሚዖም ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እጃምና ክንዋፃእ ኢና-ነበርቲ ከተማ ኣርባ ምንጭ
ኣርባ ምንጭ/ታሕሳስ 4/2018 (ኢዜኣ) ንዕዉትነት ዕቑር ሃፍቲ ከተማ ኣርባ ምንጭን እቲ ከባብን ለሚዖም ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እጃምና ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።
“ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።
ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝኾኑ ነባሪ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣይተ ለማ ፖሎ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ መንግሥቲ መደመር ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ልምዓት ኮሪደርን ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን ብምስላጥ እታ ከተማ ካብ ሓደጋ ውሕጅ ብምድሓን ተረባሕቲ ገይሩና እዩ ኢሎም።
ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ በለጠ በቀለ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ህዝቢ ተረባሒ ሰላምን ልምዓትን ንምግባር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ።
ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን ከምዝበልዎ፤ ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ሃገርና ኣብ ግብርና፣ኢንዱስትሪ፣መዓድን፣ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ዝነኣድ ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝገበረቶ ምንቅስቓስ ዝነኣዱ ዝላታት ከምዘመዝገበት ብምሕባር፤ እቲ ህዝቢ ብስራታት ጉባ ሓዊሱ ድኽነትን ድሕረትን ንምውጋድ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፀለሉ ኣተሓሳሲቢቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ ብግደኦም፤ መንግሥቲ መደመር በቢብርኩ ተረባሕነትን ተሳትፎን ልምዓት ህዝቢ እናረጋገፀ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣብቲ መድረኽ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ፌዴራልን ክልላትን ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።