እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት መንግሥቲ ብተግባር ክምልስ እዩ-ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)


ኣዲስ ኣበባ/ታሕሣሥ /4/ 2018 (ኢዜኣ) እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት መንግሥቲ ብቃል ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ክምልስ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ነበርቲ ከተማ ሻሸመኔን ዞባ ምዕራብ ኣርሲን ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ብእዋኑ ንምምላስ ተጊሁ እናሰርሐ እዩ።

ብብርኪ ክልል፣ከተማን ጣብያን ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ግቡእ ዝኾነ ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ቀጥታ ተግባርን ሓገዝን መንግሥቲ ፌዴራል ዝደልዩ ሕቶታት ድማ ገዛ ዕዮ ወሲድና ብቃል ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ክንምልስ ኢና ኢሎም።
ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ መንግሥቱ በቀለ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝምለሱ ከምኡ እውን መንግሥቲ እቲ እቲ ክልል ብውሳነን ትልምን ከምዝምልሶም ተዛሪቦም።
ህዝብን መንግሥትን ብምትሕብባር እንትሰርሑ ሃገር ምልዋጥ ከምዝከኣል ሻሸመኔ መርኣያ ከምዝኾነትን እቲ ህዝቢ እውን ንሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ እናደገፈን ከምዝርከብን ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ይርጋ ሲሳይ እዮም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ክፋላት ማሕበረሰብ ብግደኦም፤ ሕቶ ህዝቢ ዝሰምዕ መንግሥቲ ብምፍጣሩ ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ ካብ ዘረባ ብዝዘለለ ብተግባር ዝተገለፀ ልምዓታት እናርኣየና ስለዝኾነ ንተግባሩ ብሙሉእ ልብና ክንድግፍ ኢና ኢሎም።
ብብርኪ ሃገር ልዕልና ኢትዮጵያ ዝውስኹ ከም ፍርያት ጋዝን ፋብሪካ ማዳበሪያን ዝበሉ ፕሮጀክትታት ልዕልና ሃገርና ዘቀላጥፉ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ በሪ ባሕሪ ንምዕዋት መንግሥቲ ዝጀመሮ ድፍረት ዝተመልኦን ብፍልጠት ዝተመርሐን ኣካይዳ ከምዝድግፉ ኣረጋጊፆም።
ንነዊሕ ዓመታት ሕቶ ህዝቢ ኮይኑ ዝቐፀለ ፀገም ዝስተ ማይ፣ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ ፐሮጀክትታት፣ፀገማት ዝርገሐ ኤሌክትሪክ መንግሥቲ ግቡእ ምላሽ ንክህቦም እውን ሓቲቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም