ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንዓወት ንክበቕዑ ጉዳይ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቕፅል እዩ-ነበርቲ ከተማ ደሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንዓወት ንክበቕዑ ጉዳይ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቕፅል እዩ-ነበርቲ ከተማ ደሴ
ደሴ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንዓወት ንክበቕዑ ጉዳይ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቕፅል እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ደሴ ገሊፆም።
“ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ደሴ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሸሕ ኢሳ፣ወይዘሮ ብርቱካን ታደሰን ኣይተ እንድሪስ መሀመድ በሪሁንን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ እቲ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ሰላም ብምሕላው ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ።
ቅድም ክብል ብመንግስቲ ቃል ዝተኣተዉን ዝተጀመሩን ኣቋራፂ መንገዲ ደሴ-ኮምቦልቻ፣ህንፀት ሆስፒታል ወሎ ቴሪሸሪ ኬር፣ህንፀ መንገዲ ባቡር ኣዋሽ ኮምቦልቻ-ሃራ ገበያ፣ፀገም መንበሪ፣ስርዓት ኣልቦነት፣ምኽባር ናብራን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ትኹረት ክግበረሎም ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ ፃውዒት ሰላም ዘይቕበሉ ሽፍታታትን ተለኣኣኽትን እውን መንግሥቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ብምሕባር፤ መንግሥቲ ብፕሮጀክትታት ሰብ ተኮር ንብዓት ድኻታት እናሓበሰ ስለዝኾነ ንሕና ኩለ መዳያዊ ድጋፍና ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም።
ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንዓወት ንክበቕዑ ጉዳይ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ደሴ ኣይተ ሳሙኤል ሞላልኝ ብግደኦም፤ እቲ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ሰላም ካብ ምሕላው ብተወሳኺ በቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ምስላጥ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ኣብታ ከተማ ዝተሳለጡ መንገዲ ስፋልት፣ልምዓት ኮሪደር፣ሓደ ማእኸል መሶብ፣ትሩፋት ሌማትን ካልኦትን በቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ዝተሳለጡን ህዝቢ ተረባሒ ዝገበሩን ስራሕቲ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሽዊት ሻንካ ብግደአን፤ ኣብታ ሃገር ኣብ ዓውድታት ኢኮኖሚ፣ፖለቲካን ማሕበራውን ዝተመዝገቡ ዓወታት ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ እዮም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ፌዴራልን ክልላትን ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።