ብጠንካራ ምውዳድ ህዝብን መንግሥትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምቕፃን ንዕዉትነት ብስራታት ልምዓት ጉባ እጃምና ክንዋፃእ ኢና-ተሳተፍቲ ህዝባዊ መድረኽ ከተማ ጎንደር 


ጎንደር/ታሕሳስ/ 4/2018(ኢዜኣ) ብጠንካራ ምውዳድ ህዝብን መንግሥትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምቕፃልን ንዕዉትነት ብስራታት ልምዓት ጉባ ትፅቢት ዝግበረሎም እጃም ንምውፃእ ድሉዋት ምዃኖም ተሳተፍቲ ህዝባዊ መድረኽ ከተማ ጎንደር ተዛሪቦም።
“ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ተሳተፍቲ እቲ ህዝባዊ መድረኽ፤ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተሃነፁ ስራሕቲ ሓለዋ ሓድግን መሰረተ ልምዓትን ብምንኣድ ንፅሩይ መስተ ማይ፣ቀረብ ሓይሊ፣ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ትኹረት ክወሃብ ኣለዎ ኢሎም።
ብጠንካራ ምውዳድ ህዝብን መንግሥትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምቕፃልን ንዕዉትነት ብስራታት ልምዓት ጉባ ትፅቢት ዝግበረሎም እጃሞም ንምውፃእ ድሉዋት ምዃኖም እውን ኣረዲኦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንታሪኽ ከተማ ጎንደር ብዝምጥን መልክዑ ዕዉት ስራሕቲ ልምዓት ንክስርሑ ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቲ መድረኽ ዝመርሓ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፤ ንሕቶታት ህዝቢ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ምላሽ ንምሃብ ብቆራፅነት ከምዝስራሕ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ካብ ፀጋን ክብርን ህዝባ ዝፍልፍል ዓቕሚ ልምዓት እናፈጠረት እያ ኢለን።
ኣኽባሪት ጋሻን መሰረት ጥበብን ዝኾነት ከተማ ጎንደር ንታሪኻ ኣብ ዝምጥን ስራሕ ልምዓት ከምትርከብ እውን ሓቢረን።

ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕምን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ፍቅሩ (ዶ/ር)፤ ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ህዝቢ ጎንደር ሕቶታት ሓድነትን ሕብረ ብሄራዊ ምትእስሳርን፣ዘላቒ ሰላምን ግዕዝይናን፣ሰናይ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን እናልዐለ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከተማ ጎንደር ንመበገሲ ታሪኽ ማእኸላይ ዘበን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ ትማልን ሎምን ብምትእስሳር ሎሚን ፅባሕን ዘተኣሳስር ልምዓት ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም