ዝለዓሉ ሕቶታት ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ዝለዓሉ ሕቶታት ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/4 /2018 (ኢዜኣ)መንግስቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፡፡
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር "ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻዱ።
ኣብቲ መድረኽ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋን ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር ጎሹ እንዳላማውን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም፡፡
ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ዝማዕበላ ሃገራት ናብራ ህዝበን ንምምሕያሽ ትኹረት ብመሃብ ኣብ ዝሰርሓሉ ዓለም ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክትተርፍ ውሽጣዊን ደጋዊን ፀላእቲ እናሰርሑ ይርከቡ ኢለን።
መንግስቲ እዞም ፀገማት ምስ ምፍታሕ ጎድና ጎድኒ ዓበየቲ ስራሕቲ ልምዓት እናወገነ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂበን፡፡
ዝተጀመረ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ ድማ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ተቐራሪቡ ምዝታይን ምምይያጥን ባህሊ ብምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣገንዚበን፡፡
ሉኣላዊነት ዝኽበር ብዅናት ጥራሕ ዘይኮነስ ብምግቢ ርእስኻ ብምኽኣል ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዘብዒ ሰላም ንኽኸውን ሓቲተን።
ኣይተ ጎሹ እንዳላማው ብግደኦም÷ ናይ ጎንፂን ድኽነትን ታሪኽና ፈተና ኮይኑ ከይቕፅል ፓርቲ ብልፅግናን መንግስቲናን ቀትሪን ለይቲን እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
ኣብቲ ህዝባዊ ዘተ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ባህር ዳርን ከተማን ከባቢኣን፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተረኺቦም።