ኣብ ዞባታት ወለጋ ሰላም ብምፅናዕ ልምዓትን ተረባሕነትን እቲ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበሩ ፃዕርታት ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኦም እዮም-ነበርቲ እቶም ዞባታት


ነቀምቴ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዞባታት ወለጋ ሰላም ብምፅናዕ ልምዓትን ተረባሕነትን እቲ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበሩ ፃዕርታት ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ነበርቲ ከተማ ነቀምቴን ዞባ ምብራቕ ወለጋን ገሊጾም።
“ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ነበርቲ ከተማ ነቀምቴን ዞባ ምብራቕ ወለጋን ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ ህዝባዊ ዘተ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን፣ሚኒስትር ሰላም መሀመድ ኢድሪስ፣ ብመዓርግ ምክትል ፕሬዚዳንት መተሓባበሪ ክላስተር ልምዓት ከተማ ክልል ኦሮሚያ መስፍን መላኩን ካልኦት ኣመራርሓ ዞባ፣ወረዳን ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም።
ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ነባርን ዓብዪ ዓድን ከተማ ነቀምቴ ሼህ ናስር ኑሩ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ተፈቲሑ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ እዮም ዝርከከቡ።

ካሊእ ነባሪ ወረዳ ጊዳ ኣያና ደምሴ ጌታቸው፤ ኣብቲ ከባቢ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ቀፃልነት ንክህልዎም ከም ነባርነቶም ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ተዛሪቦም።
ነባሪት ወረዳ ቢላ ወይዘሮ ሹቢቱ ገላን፤ መንገዲ ሓዊሱ ስራሕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ንክጠናኸሩ ሰላም ከባቢና ብትግሃት ክንሕለው ኢና ኢለን።
እቲ መድረኽ ዘተ ዝመርሕዎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ከምዝበልዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጉባ ዘስምዕዎ ብስራት ዝዕወት ብዝተወደበ ተሳትፎ እቲ ህዝቢ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ እውን ኣብ ግብርና፣መንገዲ፣ትምህርትን ካልኦት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ስራሕቲ ልምዓትን ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ዘዕበዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
በቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን ግቡእን እዋናውን ስለዝኾኑ መንግሥቲ በቢ ብርኩ ምላሽ ከምዝህብ ሓቢሮም።

ሚኒስትር ሰላም መሀመድ ኢድሪስ ብግደኦም፤ መንግሥቲ ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ነቲ ከባቢ ትኹረት ሂቡ ስለዝሰርሐ ውፅኢት ተረኺቡ እዩ ኢሎም።
በቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን ቅልጡፍ ምላሽ ንክረኽቡ መንግሥቲ እቲ ክልል ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም