ብምውዳድ መንግስትን ህዝብን ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ንቀፃሊ ምዕራፍ ዓወት መሰረት ዘንብሩ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ብምውዳድ መንግስትን ህዝብን ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ንቀፃሊ ምዕራፍ ዓወት መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ገሊፆም።
“ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ዞባ ጅማን ምምሕዳር ከተማ ጅማን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ እዋናውን ሃገራውን ጉዳያት ዘትዮም።

ኣብቲ መድረኽ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ፣ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ፣ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ነመራ ቡሊ፣ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጅማ ቲጂኒ ናስርን ካልኦት ተሳተፍትን ተረኺቦም።



ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብሩ ውፅኢታት ልምዓት ተመዝጊቦም እዮም።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ( ዶ/ር) ዝተበሰሩ ብስራታት ጉባ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብሩን ዕቤት ሃገር ዘቀላጥፉን ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ መርኣያ ብልፅግና ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ውሽጣዊ ባንዳን ግዳማዊ ፀላእን ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ጠጠው ኣየብልዎን ኢሎም።
ብመንግሥቲ መደመር ብምውዳድ መንግሥትን ህዝብን ዝተረኸቡ ዓበይቲ ዓወታት እናጠዓዓምና ንዝበለፀ ዓወት ክንዳለው ኣለና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝነኣዱ ዓወታት ልምዓት ተመዝጊቦም እዮም።



ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ከተማን ግብርናን ዘበን ተሳጋሪ ስራሕቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ብምግባር ንመፃኢ ወለዶ ንምርካብ ዝተትሓዙ ሽቶታት ዕዉታት ምዃኖም ተዛሪቦም።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግሥቲ ዝነኣዱ ዓወታት ልምዓት ከምዘመዝገበ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም