ፎረም መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ፎረም መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ፎረም መናእሰይ ኣፍሪካ ካብ 7 ክሳብ 8 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
“ምምሕያሽ ቀረብ ፋይናንስ፣ኢኖቬሽን ብምትብባዕን ኣማራፂ ስራሕ ብምስፍሕፋሕን መናእሰይ ምብቃዕ”መሪሕ ሓሳብ እቲ ፎረም እዩ።
ኣብቲ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኢሴኤ) ዝካየድ ፎረም፤ ልዕሊ 300 ተሳተፍቲ ብኣካል ከምዝርከቡን ልዕሊ 700 ድማ ብበይነ መረብ ከምዝሳተፉን ተገሊፁ።
ካብ ኢትዮጵያ፣ዩጋንዳ፣ጋና፣ዛምቢያን ካሜሮንን ሓዊሱ ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ መራሕቲ ክሳተፉ እዮም።
እቲ ፎረም፤ ማሕበር መናእሰይ እንደራሴን ኤስኤንቪ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ልምዓትን ብሓባር ዘዳለውዎ እዩ።
ኣብቲ ፎረም፤ ስራሕ ኢኖቬሽን መናእሰይ ዝቐርበሉ ዓውደ ርእይ ዝካየድ እንትኸውን ተሳተፍቲ እቲ ፎረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝዕዘቡ እውን ትፅቢት ይግበር።