እቲ ስምምዕ ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ካልኦት ዞባዊ ፀገማትን ብሓባር ንምክልኻል ልዑል ረብሓ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ስምምዕ ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ካልኦት ዞባዊ ፀገማትን ብሓባር ንምክልኻል ልዑል ረብሓ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎ(ብራዛቢል)ን ዝተፈረመ ስምምዕ ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ካልኦት ዞባዊ ፀገማትን ብሓባር ንምክልኻል ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ ገሊፀን።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ዙርያ ወታደራዊ ዓውድታት ብምትሕብባር ምስራሕ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ተፈሪሙ።
ሚኒስትር ምክልኽል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ፤ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎን ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለወን ኣብቲ ስነ ስርዓት ፊርማ ተዛሪበን።
እተን ሚኒስትር ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ውፅኢታት ወታደራዊ ኢንዱስትሪ፣ፅገና መሳርሒ ኲናት፣ስልጠና ትምህርቲ ከምኡ እውን ጉዳያት ምኽባር ልኡኽቶ ሰላም ብሓባር ምስራሕ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ምፍርራመን ኣረዲአን።
እቲ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ዓቕሚ ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ዕድል ከምዝፈጥር እውን ሓቢረን።
ሕዚ ዘለናሉ ዓለም ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ ዶብ ተሳገርትን ተዛመድትን ዞባዊ ፀገማት ብሓባር ንምክልኻል እውን ልዑል ኣወንታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ገሊፀን።
ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህልወና ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ክብላ እውን ተዛሪበን።
ሚኒስትር ምክልኻል ሪፐብሊክ ኮንጎ(ብራዛቢል) ቻርለስ ሪቻርድ ሞንጆ ብግደኦም፤ እቲ ስምምዕ ሰላምን ድሕንነትን ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል ፋይዳ ከምዘለዎ ምግላፆም ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።