ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ-32 ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ኮፕ-32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ብብሱል ኣመራርሓ ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተረኸበ ዓወት ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ እተተኣናግዶ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ-32) ዝምልከት መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣራዳ ፓርክ ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሀይ ጳውሎስ፣ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር እታ ከተማን ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍትን ከምኡ እውን ኣልማዕቲ ተረኺቦም።



ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ኮፕ-32 ንክተተኣናግድ ምምራፃ ብብሱል ኣመራርሓ ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝረተኸበ ዓወት እዩ።
እዚ ድማ ዓብይ ዓወት ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ እተን ከንቲባ ተዛሪበን።
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓትን ፅባቐን ከተማ ዝተረኸቡ ውፅኢታት እቲ ዓለም ለኸ ጉባኤ ንክተተኣናግድ ተመራፂት ንክትኸውን ኣኽኢሎማ እዮም ኢለን።
እቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያውያን ብዙሕ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅእ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ መንግሥቲ እጃም መሪሕነት ንክዋፃእ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲአን።
እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ካልኦት ዓለም ለኸ መድረኻት ናይ ምትእንጋድ ዕድል ንክትረክብ፣ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምርኣይን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ወሳኒ እዩ ኢለን።
ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሀይ ጳውሎስ ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ዓለም ዓለም ለኸ መድረኻት ናይ ምትእንጋድ ዓቕማ እናዓበየ ከምዝመፀ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ኮንፈረንሳት ብብቕዓት ምትእንጋድ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር፤ ውፅኢቱ እውን ብሓባራዊ ምትሕብባር ዝተመዝገበ ከምዝኾነ ተዛሪበን።



ኢትዮጵያ ኣዳላውነት ጉባኤ ኮፕ-32 ንምርካብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ክትገብር ከምዝነበራ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፤ ብሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓትን ብዝተረኸቡ ውፅኢታት ከምዝተመረፀት ሓቢረን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም