ኢትዮጵያ ኣብ ትሳተፈሎም ዓለም ለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ እናዓበየ መፂኡ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ትሳተፈሎም ዓለም ለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ እናዓበየ መፂኡ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ትሳተፈሎም ዓለም ለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ እናዓበየ ከምዝመፀ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃእን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፈቲህ ማህዲ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ተስፋታት ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣተሓሳስባ መደመር ዝምልከት መደረ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃእን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፈቲህ ማህዲ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ዘለዋ ፅልዋ ብግልፂ ተራእዩ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ዝገበርዎ መደረን ዘተን ልዕልና ዲፕሎማሲን ተሰማዕነትን ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገረ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሳተፈሎም ዓለም ለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ እናዓበየ ከምዝመፀ ብምግላፅ፤ ጎና ጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
መምህር ዲፕሎማስን ዓለም ለኸ ርክብን እንዳለ ንጉሴ ብግደኦም፤ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ቦቆል ኣተሓሳስባ ዝተቐድሐ ንኣፍሪካ ሞዴል ዝኸውን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ወሳኒ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ምግባራ ብምሕባር፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ፣ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ዝተመዝገቡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣንፀባሪቓ እያ ኢሎም።