ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ዝፀንሑ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፉ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ዝፀንሑ ፀገማት ንምፍታሕ ንምኽክርን ዝርርብን ብምድላው ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፉ ከምዘለዎም ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ምኽክር ንምግባር መሰረታዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ክልላዊ ይኹን ሃገራዊ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ንምክያድ ዝተሓሰበ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ ብምግባር እቲ ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ፀገማት ንምፍታሕ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ኣለዎም።
እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ምስቲ ኮሚሽን ምኽክር እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ መብዛሕቲኡ ብዝበሃል ብርኪ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ውድባት ፖለቲካ ዘለዎም ኣጀንዳ ብምእካብ ነቲ ኮሚሽን ከምዘረከበ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ምስ ዝተሳተፉ ዳሕራይ እውን ዝወፁ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ምኽክር ንክሳተፉ ንምግባር ዘተታትን ኮንፈረንሳትን እናተገበረ ኣብ ምርድዳእ እናተበፅሐ እዩ ኢሎም።
ኣብ በረኻ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ወገናት እውን ናብቲ ምኽክር ብምምፃእ ንቀፃሊ ወለዶ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ተዛሪቦም።
 ካብ ውድባት ፖለቲካ ብተወሳኺ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ ብሄራዊ ረብሓታት ንምኽባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ንከበርክት ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝፀንሑ ወገናት ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ነቲ ማሕበረሰብን ሃገርን ብምሕሳብ ናብ ሰላም ምምፅኦም ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዕሊ 60 ሃገራውን ክልላውን ውድባት ፖለቲካ ዝሓቖፈ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም