እቲ ቤት ምኽሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንምዕባይ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንምዕባይ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ።
ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምስ ሓባራዊ ኣብያተ ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ክልላት መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ዓመታዊ ፀብፃብ 2017 ዓ/ምን ማዕቐፍ ትልሚ 2018ን ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ሓባራዊ ኣብያተ ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ክልላትን ቀሪቡ ከምዝዝተየሉ ተገሊፁ።
ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብታ ሃገር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንምዕባይ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ሃገራዊ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንክኸውን ኣጀንዳ ኣተኣኻኺቡ ካብ ምቕራብ ጀሚሩ ምስቲ ኮሚሽን ብቐረባ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።
መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ዘይሻራውን ግልፅን ንክኸውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም