መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ብተግባር እናሓገዘ እዩ ዝርከብ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 2/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ብተግባር እናሓገዘ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተግባራዊ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ዓለም ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (COP-30) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (COP-32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዝፍለጥ እዩ።



ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈጻሚ ስራሕ ልምዓትን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምኡ እውን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፀሓፊ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ ፋኑሴ መኮንን፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ተግባራዊ ምላሽ እናሃበ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ዝተተኸሉ እንትኸውን፤ እቶም 40 ሚኢታዊ ሃገር ቦቆል፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ዝተፈላለዩ ዓሌት ዘለዎም ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኣገልግሎት ምግቢ ዝውዕሉ ኣትክልትን ፍራ ምረን ሓዊሱ ካልኦት ፈልስታት ብሰፊሑ ከምዝተተኸሉ ብምሕባር፤ እዚኣቶም ድማ ንፍልፍል ኣታዊ ቤተሰብን ስርዓት ምግቢ ንምምሕያሽን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም