ብምልከታ መንግሥቲ መደመር ኣብ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ተገይሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ብምልከታ መንግሥቲ መደመር ኣብ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ተገይሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018 (ኢዜኣ) ምልከታ መንግሥቲ መደመር ኣብ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ከምዝገበረ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ተሻለ በሬቻ (ዶ/ር) ገለጹ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ተሻለ በሬቻ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ መደመር ዝነበሩ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብምፍላይ ጥንካረታት ብዝሓሸ መልክዑ ዘቐፅልን ድኽመታት ድማ ብዘላቕነት ዝፈትሕን ኣተሓሳስባ እዩ።
ኣተሓሳስባ መንግሥቲ መደመር ፍርያትን መፍረያይነትን በቲ ዝድለ መጠን ዘይምዕባዩ ካብ ስምብራታት ኢኮኖሚ እቲ ሓደ ገይሩ እዩ ዝቖፅሮ ኢሎም።
እቲ ኣተሓሳስባ እዚ ስምብራት ብዘላቕነት ንምፅጋን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ምህናፅ ኣድላይ ምዃኑ ከምዝኣምን ሓቢሮም።
ራኢ ብልፅግና ጋህዲ ንምግባር ህንፀት ሓይሊ ሰብ ከም ካፒታልን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከምዝሪኦ ፀሪሖም።
ፍርያትን መፍረያይነትን ኢንዱስትሪ፣ግብርና፣መዓድን፣ ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ንምዕባይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሞያ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ምህናፅ ኣዝዩ ኣድላይ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ እመርታዊ ለውጢ ንምምፃእ ብፍላይ ድማ ትካላት ቴክኒክን ሞያ ስልጠናን ደረጅኦም ናይ ምሕላውን ምስፍሕፋሕን ስራሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።