መንግሥቲ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ዘሳልጦም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ነቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ እናገበሩ እዮም-ሌተናል ጀኔራል ታደሰ ወረደ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ዘሳልጦም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ነቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ እናገበሩ እዮም-ሌተናል ጀኔራል ታደሰ ወረደ
መቐለ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘሳልጦም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ነቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ እናገበሩ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሌተናል ጀኔራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ብሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ብ2 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ወፃኢ ንዝህነፅ ፕሮጀክት መፃረይን መወገድን ፈሳሲ ሎሚ መዓልቲ እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ።
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀኔራል ታደሰ ወረደ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘሳልጦም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ልምዓት እቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።
ተዛመድቲ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም እምነ ኩርናዕ ዘንበሩ ሚኒስትር ማይን ሚነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፤ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝውዕሉ ፕሮጀክትታት ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ኣፍሊጦም።
እቲ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ህንፀት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ዝህነፅ ፕሮጀክት መፃረይን መእለይን ፈሳሲ ኣጀሚሩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ብ2 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ወፃኢ ከምዝህነፅ እውን ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ልምዓት መስኖ ተረባሕቲ ከምዝገብሮም ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተተለመሉ እዋንን ፅሬትን ንምዝዛም እውን እቲ ሚኒስቴር ኣድላይ ደገፍን ክትትልን ከምዝገብር እቶም ሚኒስትር ኣረጋጊፆም።
እቲ ሚኒስቴር፤ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት እቲ ክልል ኣገልግሎት ማይን ሳኒቴሽንን ዝህቡ ፕሮጀክትታት እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ከተማ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት መንበሪ ብምህናፅ ከምዘረከቡ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ወረዳ እንደርታ ነባሪ ጣብያ ማይ ዓለም ዝኾኑ ቀሺ ገብረኪዳን ታደሰ፤ እቲ ፕሮጀክት ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ብልምዓት መስኖ ብምጥቃም ካብ ተመፅዋታይነት ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንክንሕግዝ ዘኽእለና እዩ ኢሎም።
ወይዘሮ ለተመሰቀል ሓዱሽ ብግደአን፤ እቲ ፕሮጀክት ንደቅና ተወሳኺ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ትፅቢት ንገብር ኢለን።