ኢትዮጵያን ዛምቢያን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ዛምቢያን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ፤ ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ርክብ እተን ሃገራት ንምጥንኻርን ኣብ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ዓውድታት ንሓባራዊ ተረባሕነት ምስራሕን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ እውን ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ምስ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ዛምቢያ ጄፍሪ ዚኤሌ ድሕሪ ምዝታዮም፤ በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓ ምክልኻል እተን ሃገራት ስምምዕ ፊርማ ምክያዶም ተሓቢሩ።




ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ንድሕንነት እቲ ዞባ ከምኡ እውን ንሰላምን ምርግጋዕን ሃገራት ብቆራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም።
ምስ ዛምቢያ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ክንሰርሕ ኢና ምባሎም እውን ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ዛምቢያ ጄፍሪ ዚኤሌ ብግደኦም፤ ምትሕብባርና ዝሓሸ ዓቕሚ ንምፍጣርን ሓባራዊ ተረባሕነትና ንምዕባይን ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።
ካብ ኵናት ዓድዋ ጀሚሩ ዘሎ ልምድን ተሞኩሮን ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ስነ ልቦና ጀግንነት ኢትዮጵያውያን ብምንኣድ፤ ብምትሕብባር ንክንሰርሕ ዘለዓዓለና ድማ እዚ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ዓውድታት ብሓባር ንምስራሕ ዛምቢያ ዘቕረበቶ ሕቶ ኢትዮጵያ ብምቕባላ ከምዝተሓገሱ እውን ተዛሪቦም።
ዘተ ኤታማዦር ሹማት ክልቲአን ሃገራት ስዒቡ ሚኒስትር ዲኤታ ምክልኻል ፌዴሪኢ ማርታ ሉዊጂ ምስ ናይ ዛምቢያ መዘንአን ማምቦ ሃማውንዱ ኣብ ህንፀት ዘበናዊ ሰራዊት፣ድሕንነት፣ወታደራዊ ትምህርትን ስልጠናን፣ወታደራዊ ኢንዱስትሪን ካልኦት ዓውድታትን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእል ፊርማ ስምምዕ ገይረን።



ወይዘሮ ማርታ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ቀንዲ ዕላማ እቲ ስምምዕ ብሄራዊ ድሌት ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ንምሕላውን ሓባራዊ ተረባሕነት ብዝበለፀ ንምዕባይን እዩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ምክልኻል ዛምቢያ ማምቦ ሃማውንዱ ብግደኦም፤ ንዕዉትነት ዓውዲ ምክልኻልና ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘለና ርክብ ንምጥንኻር ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም