ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ "ጊፋታ"ብሓድጊ ዓለም ምምዝጋቡ ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ "ጊፋታ"ብሓድጊ ዓለም ምምዝጋቡ ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ መግለፂ ጥንታዊ ስልጣነን ምዕቡል ታሪኽን ህዝቢ ወላይታን ምስ መንነት እቲ ህዝቢ ሱር ዝሰደደ ምትእስሳር ዘለዎን በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ "ጊፋታ"ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ዩኔስኮ) ብዕሊ ብምምዝጋቡ ዝተሰመዐኒ ልባዊ ሓጎስ ንምግላፅ ይፈትው። 



ጊፋታ ካብ ኣረጊት ናብ ሓዱሽ፣ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ምስግጋር ዘብስር ከምኡ እውን ዕርቅን ፍቕርን ዝስበኸሉ ዓብይ ፀጋ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
"ጊፋታ"ኣብ ሓድጊ ዓለም ምምዝጋቡ ንዕቤት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓቕሚ ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ እቲ ዓወት ንመላእ ህዝቢ ወላይታን ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ዓብይ ኩርዓት ከምዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም