ኣተሓሳስባ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ተወዳደርቲ ኣልማዕቲ እናፍረየ እዩ-ሚኒስትር መላኩ ኣለበል - ኢዜአ ትግርኛ
ኣተሓሳስባ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ተወዳደርቲ ኣልማዕቲ እናፍረየ እዩ-ሚኒስትር መላኩ ኣለበል
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) ኣተሓሳስባ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ተወዳደርቲ ኣልማዕቲ እናፍረየ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ንልምዓት ኢንዱስትሪ ዝሃቦ ትኹረት እቲ ዓውዲ ንክነቓቓሕን ዝለዓለ ለውጢ ንከምፅእን ኣኽኢሉ እዩ።
ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ለውጢ ፖሊሲ፣ትካላትን ስትራቴጂን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ መመሓየሺ ምስላጦም ብምሕባር፤ በቶም መመሓየሽቲ ብምሕጋዝ መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ንምዕባይን ዕቤት መፍረያይ እቲ ዓውዲ ብቀፃልነት ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ዓወታት ምምዝጋቦም ተዛሪቦም።
እቲ ዝተረኸበ ዓወት ኣተሓሳስባ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ተወዳደርቲ ኣልማዕቲ እናፍረየ ከምዝኾነ ከም መርኣያ ዝውሰድ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝሳለጡ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ምኽባር መነባብሮ ንምቕናስን ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎም ሓቢሮም።