ኣብ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ግልፅነትን ተሓታትነትን ትካላት ምጥንኻር እዚ እዋን ዝደልዮ ዕዮ ገዛ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ግልፅነትን ተሓታትነትን ትካላት ምጥንኻር እዚ እዋን ዝደልዮ ዕዮ ገዛ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 22 ዓለም ለኸ መዓልቲ ግዕዝይና”ወለዶ ብስነ ምግባር፣ትካል ብኣሰራርሓ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኸቢሩ።



ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና ባህሊ ፀረ ግዕዝይና ትካላት ንምጥንኻር፣ ግልፅነትን ተሓታትነት ኣሰራርሓ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምፍጣር ግንዛበን ምንቕቓሕን ተሳሊጦም እዮም።
ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ፀረ ግዕዝይና ብምፍራም ትካል ኣጣይሻ ሕግታት ብምውፃእ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብ ተዛሪቦም።
ይኹን እምበር ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ እቲ ህዝቢ ግዕዝይና ብዋንነት ንክቃለስ ዘይምግባር፣ንህንፀት ስነ ምግባር ትኹረት ዘይምግባሩን ኣብ ትካላት ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘይምርግጋፅን ጉድለታት ከምዝነበሩ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ምልክታት ስርዓታውን ትካላውን ግዕዝይናታት ከምዝተርኣዩ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ እዚ መሰረታዊ ፀገም ብምግምጋም ሕግታት ብምምሕያሽ፣ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምምዕባልን ምትሕብባራት ብምጥንኻርን ዝተማልአን ዝተዋደደን ስትራቴጂ ምክልኻል ግዕዝይና ተግባራዊ ምግባር ከምዝጀመረ ገሊፆም።



ህንፀት ስነ ምግባር ወለዶ ከምኡ እውን ግልፅነትን ተሓታትነትን ኣሰራርሓ ትካላት እናተጠናኸረ ከምዝመፀ እውን ፀሪሖም።
ስርዓታውን ትካላውን ግዕዝይና ንከይህሉ ኣብ ምግባር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ከምዝተረኸበሎም ብምሕባር፤ ሕዚ እውን ምምሕዳራውን ቢሮክራሲያውን ጉዳያት ብምጥቃም ግዕዝይና ዝፍፅሙ ኣካላት ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝተዘርገሐ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይናን ኣንፈት ሪፎርምን ብዝተማልአ መንገዲ ብምፍፃም ንግዕዝይና በሪ ዝኸፍቱ ኣካይዳታት ምስትኽኻል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም