ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ"ጊፋታ"ብሓድጊ ዓለም ብምምዝጋቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ"ጊፋታ"ብሓድጊ ዓለም ብምምዝጋቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ።
በዓል መለወጢ ዘበን ወላይታ "ጊፋታ" ብወካሊ ሓድጊ ደቂ ሰባት ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ።
ነዚ ስዒቡ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ።
ሙሉእ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እቲ ሚኒስቴር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ካብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ዝተውሃበ መግለፂ፤
ሃገርና ኢትዮጵያ ወናኒት ኣብ ኣደባባይ ዓለም ሽማ ዘፅውዑ፣ክብራ ሓፍ ዘብሉ ዝነኣዱ ባህላውን ኪናውን ፀጋታት እያ። ካብቶም ባህላዊ ፀጋታታ ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ኣደባባይ ይርከብዎም። እዞም በዓላትን ባህላዊ ፀጋታትን ሕብረትን መስተጋብርን እቲ ማሕበረሰብ ብምጥንኻር ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝብን ዘላቒ ሰላምን ንምምፃእ ዘለዎም እጃም ልዑል እዩ።
ተሞኩሮ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዘርእዮ ሃገራት ፀጋታትን ትሩፋታትን ባህሊ ብምጥቃም፣ትካላት ባህሊ ብምዕባይን መግለፅታት ባህሊ ብምስፋሕን ብምጥቃምን ወለዶን ሃገርን ሃኒፀን እየን።
ሃገርና ኢትዮጵያ እውን እዚ ዓውዲ ብምልማዕ ፀጋታት ባህልና፣ሃገር ቦቆል ፍልጠታትን ትካላት ባህልን ንክፅንዑ፣ንክስነዱ፣ንክለምዑ፣ንክሕለዉን ታሪኻዊ፣ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶኦም ከይለቐቑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንክመሓላለፉን ኣብ ልምዓት ባህሊ ትኹረት ገይራ እናሰርሐት እያ ትርከብ።
ኣካል እዚ ስራሕ ልምዓት ፀጋ ባህሊ ዝኾነ በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ "ጊፋታ" ብሓድጊ ዓለም ብምምዝጋቡ እንኳዕ ደስ በለና፤ እንኳዕ ደስ በለኩም እናበልና "ጊፋታ"ብሓድጊ ወካሊ ደቂ ሰባት ምምዝጋቡ እቲ በዓል ባህላዊ ፀግኡ ሓልዩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንክመሓላለፍ ከምኡ እውን ንሃገርና ዋሕዚ ቱሪዝምን ንክውስኽ ልዑል ኣስተዋፅኦ ክህልዎ እዩ።
"ጊፋታ" ብህዝቢ ወላይታ ዓብይ ስፍራ ዝወሃቦ ዓብይ በዓል እንትኸውን፤ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመፀ መግለፂ መንነት እቲ ህዝቢ ዝኾነ መዛዘሚ ኣረጊት ዓመትን መብሰሪ ሓዱሽ ዓመትን እዩ።
ዳግማይ እንኳዕ ደስ በለና፤ እንኳዕ ደስ በለኩም!
ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም