መንግሥቲ መደመር ትካላዊ ግዕዝይና ኣምሪሩ ብምፅያፉን ጠጠው ስለዘበሎን ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት እናተመዝገቡ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ መደመር ትካላዊ ግዕዝይና ኣምሪሩ ብምፅያፉን ጠጠው ስለዘበሎን ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት እናተመዝገቡ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ መደመር ትካላዊ ግዕዝይና ኣምሪሩ ብምፅያፉን ጠጠው ስለዘበሎን ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት እናተመዝገቡ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
መበል 22 ዓለም ለኸ መዓልቲ ግዕዝይና”ወለዶ ብስነ ምግባር፣ትካል ብኣሰራርሓ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኸቢሩ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ግዕዝይና ድምር ውፅኢት ውድቀት ሞራልን ድኽመት ትካላትን እዩ።
ኢትዮጵያ እዚ መሰከፊ ተግባር ንምክልኻል ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ጀሚራ ማዕቐፍ ሕግን ትካልን ኣጣይሻ እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢሎም።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና ብምጥያሽ ሃገራዊ ኩነታት ገበን ግዕዝይና ንምግምጋም፣ ግንዛበ ንምፍጣርን ዘላቒ ኣንፈታት መፍትሒ ንምምልኻትን ዘኽእሉ ስራሕቲ ጎስጓስ ከምዝተሳለጡ እውን ሓቢሮም።
ሃገራዊ ዓወታት ዝምዝገቡ ዘለዉ መንግሥቲ መደመር መንግሥታዊ ግዕዝይና ኣምሪሩ ዝፅየፍ ስለዝኾነ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ዘላቒ መፍትሒ ምክልኻል ግዕዝይና ስነ ምግባር ወለዶ ብምህናፅን ንግዕዝይና ዘይቃላዕ ዜጋ ብምፍጣርን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ሃገር ናብ ምፍራስ ዘብፅሕ ዝነበረ ግዕዝይና ብጠንካራ ቃልሲ ጠጠው ኣቢልናዮ ኢና እውን ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር።
ስነ ምግባር ወለዶ ምህናፅ፣ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምምዕባል ካብ ግዕዝይና ምክልኻል፣ገበን ሕጊ ግዕዝይና ንምኽባር ኩሉ ብቆራፅነት ክሰርሕ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።