ስርዓት ፍርያትን ኣጠቓቕማን ሓይሊ ኢትዮጵያ ነቲ ዞባን ኣፍሪካን እውን ንምትራፍ ዝዓለመ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት፣ዝርገሐን ኣጠቓቕማን ሓይሊ ዘለዋ ስርዓት ካብ ሃገር ብዝዘለለ ነቲ ዞባን ኣፍሪካን ንምትራፍ ብምዕላም እናሰርሐት ከምዝኾነት ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ውፅኢታውነት ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኣፍሪካ(Energy Efficiency Conference) ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍን ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህን እቲ ኮንፈረንስ ብሓባር ከፊተሞ።
እቲ ኮንፈረንስ፤ “ኣጀንዳ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ብስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።



እቲ ኮንፈረንስ፤ ብምትሕብባር ፍሉይ ትካል ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝተዳለወ እዩ።
ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ፍርያትን ኣጠቓቕማን ኣህጉራዊ ሓይሊ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ተሞኩሮኣ ኣብቲ መድረኽ ከምዘካፈለት ሓቢሮም።
ስርዓት ፍርያት፣ዝርገሐን ኣጠቓቕማን ሓይሊ ኢትዮጵያ ንተሓዳሲ ኣማራፂ ሓይሊ ቀዳምነት ዝህብ፣ኢነርጂ ኣብ ምፍራይ ክፍጠር ዝኽእል ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን መሰረቱ ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ገይሩ ንኣህጉራዊ ምትእስሳርን ዘላቒ ልምዓትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ምብርካትን ንጎረቤት ሃገራት እውን ንምትራፍን ሽቶኡ ገይሩ ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።



እቲ ዝፈረየ ሓይሊ ብውፅኢታውነት ምዝርጋሕን ምጥቃምን ንሕና ኣፍሪካውያን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ሂብና ብምትሕብባር ክንሰርሖን ልምዲ ክንለዋወጠሉን ዝግባእ ወሳኒ ጉዳይ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ኮንፈረንስ፤ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ብምርግጋፅ ንዕቤትን ዘላቒ ልምዓትን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየርን መቀፃፀሊ ሞተር ተግባራዊ ምላሽ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ፈላማይ ኮንፈረንስ ክሳብ ፅባሕ ዝፀንሕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም