ጥቕዓታት ሳይበር ብምክልኻል ብሄራዊ ረብሓ ናይ ምሕላው ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዝፍተኑ ኩለ መዳያዊ ፈተናታት ጥቕዓት ሳይበር ብምምካት ብሄራዊ ረብሓ ናይ ምሕላው ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ምምሕዳር ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምክልኻል ሳይበር መሐመድ ፈረጃ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ፈላሞት 3 ኣዋርሕ እዚ ዝሓዝናዮ በጀት ዓመት 13 ሽሕን 443 ፈተነታት መጥቃዕቲ ተመዝጊቦም እዮም።
ካብቶም ፈተናታት እውን ዝለዓለ መጠን ዝሓዘ ‘ሰርጎ ገብ’ ዝተብሃለ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ድሕረ ገፅ፣ቁልፊ መሰረተ ልምዓታትን ካልኦት ዓውድታትን ጠመተ ዝገበረ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ብፃዕሪ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን እቶም ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዘመሓድሩ ትካላትን 97 ነጥቢ 16 ሚኢታዊ ንዝኾኑ ፈተነታት መጥቃዕቲ ምላሽ ተዋሂቡ እዩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ እውን ስራሕቲ ምቁፅፃር እቶም መጥቃዕትታት ሳይበር፣ምቕናስ መጠን ጉድኣት፣ንዳግማይ መጥቃዕቲ ከይቃልዑ ድሕንነቶም ምጥንኻር ከምዝተሳለጡ ገሊፆም።
ብምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ኣመሓደርቲ ትካላት እቶም ቁልፊ መሰረተ ልምዓታትን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕትታት ምክልኻል ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝሕሰቡ መጥቃዕትታት ሳይበር ንምክልኻል ዝተዋደደ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም